ዘፍጥረት 48

1 ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ሐሚሙ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ኤፍሬምን፡ ምስኡ ወሰዶም።

2 ንያቆብ ድማ፡ እንሆ፡ ወድኻ ዮሴፍ መጺኡካ፡ ኢሎም ነገርዎ። እስራኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ።

3 ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ በሎ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ሉዝ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተራእየኒ፡ ባረኸኒ ኸኣ፡

4 እንሆ፡ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሓካን፡ ንብዙሕ ህዝብታት ከኣ ክገብረካ እየ፡ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ፡ በለኒ።

5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ኸይመጻእኩኻ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።

6 ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ከኣ ንኣኻ ይኹኑ። ኣብቲ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ይሰመዩ።

7 ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ንኤፍራታ ቕሩብ ምስ ተረፈትኒ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መገዲ ኤፍራታ ኸኣ፡ ንሳ ቤት-ልሄም፡ ኣብኡ ቐበርኩዋ።

8 እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ርእዩ። እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧ በለ።

9 ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ፡ እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሀበኒ ደቀይ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፤ ክምርቖምሲ፡ በጃኻ፡ ናባይ ኣቕርቦም፡ በለ።

10 ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርግና እተላዕለ ለቊተን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከአለን። ናብኡ ድማ ኣቕረቦም፡ ንሱ ኸኣ ሰዐሞም፡ ሐቘፎምውን።

11 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፤ ገጽካ እርኢ ኢለ ኣይሐሰብኩን ነይረ፡ ኣምላኽ ከኣ እንሆ፡ ንዘርእኻ ድማ ኣርአየኒ፡ በሎ።

12 ዮሴፍ ከኣ ካብ ኣብራኹ ኣግልስ ኣቢልዎም ብገጹ ናብ ምድሪ ሰገደ።

13 ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ወሲዱ፡ ንኤፍሬም ብየማኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም።

14 እስራኤል ድማ፡ ምናሴ በዅሪ ነበረ እሞ፡ ኣእዳዉ ኣመሐሊፉ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ።

15 ንዮሴፍ ከኣ፡ እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ እተመላለሱ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ፡

16 እቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ መልኣኽ። ንሱ ነዞም ደቂ እዚኦም ይባርኽ። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጸዋዕ። ኣብ ማእከል ምድሪ ንምብዛሕ ድማ ይሰስኑ።

17 ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ። ጐሀየ እሞ፡ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ደልዩ፡ ንኢድ ኣቦኡ ሐዛ።

18 ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፤ ኣቦየ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ እቲ በዂሪ እዚ እዩ እሞ፡ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር፡ በሎ።

19 ኣቦኡ ግና ኣበየ፡ ፈሊጠ፡ ወደይ፡ ፈሊጠ ኣሎኹ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ድማ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።እቲ ንእሽቶ ሓዉ ግና ካብኡ ክዓቢ እዩ፡ ዘርኡውን ብዙሕ ህዝብታት ኪኸውን እዩ፡ ድማ በሎ።

20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፤ እስራኤል፤ ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ከም ምናሴን ይግበርካ፡ ኢሉ ብኣኻ ኺምረቕ እዩ። ንኤፍሬም ከኣ ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።

21 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፤ እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ፡ ኣምላኽ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ።

22 ንኣኻ ድማ እታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሴፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፍሊ ሂበካ ኣሎኹ።