ዘፍጥረት 33

1 ያእቆብ ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኤሳው፡ ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ፡ ኪመጽእ ረኣየ። ሽዑ ነቶም ደቂ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲኤን እተን ግዙኣትን መቓቐሎም።

2 ነተን ግዙኣትን ንደቀንን ቅድሚት፡ ልያን ደቃን ድማ ደድሕሪኤን፡ ራሄልን ዮሴፍን ከኣ ድሕሪት ገበሮም።

3 ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሐሊፉ፡ ናብ ሓዉ ኽሳዕ ዚበጽሕ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ።

4 ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሐቘፎ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኸኣ ሰዐሞ፡ በኸዩ ድማ።

5 ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ኣንስትን ቈልዑን ርእዩ ኸኣ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም፧ በለ። ንሱ ድማ፥ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ንግልያኻ ዝጸገዎ ደቂ እዮም፡ በለ።

6 ሽዑ እተን ግዙኣት ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳ።

7 ልያን ደቃን ከኣ ቀሪቦም ሰገዱ።ድሕሪት ድማ ዮሴፍን ራሄልን ሰገዱ።

8 እዚ ዅሉ እተጓነፍክዎ ጭፍራኸ እንታይ ሐሲብካ ኢኻ፧ ድማ በሎ። ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ፡ በለ።

9 ኤሳው ከኣ፡ ሓወየ፡ ዝኣኽለኒ አሎኒ፡ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን፡ በለ።

10 ያእቆብ ድማ፡ ኣይፋልካን፡ ካብ ኣሐጐስካንስ፡ ንገጽካ ኸኣ ገጽ ኣምላኽ ከም ዝርኢ ርእየያ እየ እሞ፡ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ገጽ በረኸተይ ካብ ኢደይ ተቐበል።

11 ኣምላኽ ጸግዩኒ፡ ኵሉ መሊኡኒ ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰደድኩልካ ገጽ በረኸተይ ውሰዶ ደኣ፡ ኢሉ ግዲ በሎ። ንሱ ኸኣ ወሰዶ።

12 ኤሳው ድማ፡ ንንቀል እሞ ንኺድ፡ ኣነ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እየ፡ በለ።

13 ንሱ ግና፥ እዞም ቈልዑ ዕሸላት ከም ዝዀኑ፡ ዜጥብዋ ጤለበጊዕን ኣሓን ከኣ ከም ዘለዋኒ፡ ጐይታይ ይፈልጥ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ እምብዛ እንተ ሀወኽወን ኵለን መጓሰ ይሞታ።

14 ጐይታይሲ፡ ቀቅድሚ ግልያኡ ደኣ ይሕለፍ፡ ኣነ ድማ ናብ ጐይታይ ኣብ ሰዒር ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ከም ስጕምቲ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ማልን ከም ስጕምቲ እቶም ቈልዑን ገይረ ቐስ እናበልኩ እመጽእ፡ በሎ።

15 ኤሳው ከኣ፡ እምበኣርስኸ ካብዚ ምሳይ ዘሎ ህዝቢ ኽሐድገልካ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ እዚኸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ።

16 ኤሳው በታ መዓልቲ እቲኣ መገዱ ናብ ስዒር ኣቢሉ ተመልሰ።

17 ያእቆብ ድማ ናብ ሱኮት ተጓዕዘ፡ ንእኡ ኸኣ ቤት ሰርሔ፡ ንማሉውን ዳሳት ገበረ። ብዛዕባዚ ስም እታ ቦታ ሱኮት ተባህለ።

18 ያእቆብ ድማ ካብ ጳዳን-ኣራም ምስ መጸ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን አተወ። ኣብ መንጽር እታ ኸተማ ኸኣ ሰፈረ።

19 እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኣብ ኢድ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብሚእቲ ቀሲጣ ዐደጋ።

20 ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸኣ፡ ኤል-ኤሎሄ-እስራኤል ኣውጽኣሉ።