ዘፍጥረት 16

1 ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትብሀል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ።

2 ሳራይ ከኣ ንኣብራም፡ እንሆ፡ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ፡ ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ፡ በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ።

3 ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ።

4 ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ።

5 ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሀብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ በለቶ።

6 ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኸም እተራእየኪ ግበርያ፡ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት።

7 መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ።

8 ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዝእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ አሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፤ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም አሎኹ፡ በለት።

9 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ፡ በላ።

10 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይክኣል፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ።

11 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።

12 ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።

13 ንሳ ድማ፡ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፧ ኢላ፡ ስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር፡ ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ፡ ኢላ ኣውጽኣትሉ።

14 ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን አሎ።

15 ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።

16 በቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።