ዘፍጥረት 11

1 ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት።

2 ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።

3 ንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም።

4 ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ።

5 እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ።

6 እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን።

7 እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ።

8 እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ።

9 እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም።

10 ወለዶ ሴም እዚ እዩ፡ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ።

11 ሴም ድማ ድሕርቲ ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

12 ኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሻላሕ ከኣ ወለደ።

13 ኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።

14 ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንዔበር ወለደ።

15 ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ፡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

16 ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረ፡ ንፌለግ ከኣ ወለደ።

17 ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።

18 ፌሌግ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንረጉ ወለደ።

19 ፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

20 ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ንሴሩግ ከኣ ወለደ።

21 ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

22 ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንናሆር ከኣ ወለደ።

23 ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ክልተ ምእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

24 ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ንታራ ኸኣ ወለደ።

25 ናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

26 ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ።

27 ወለዶ ታራ ኸኣ እዚ እዩ፤ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ። ሃራን ድማ ንሎጥ ወለደ።

28 ሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ሞተ።

29 ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፡ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዪስካን እዩ።

30 ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነበራን።

31 ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን፡ ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ኣብራም ወዱ ወሰደ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡ።

32 ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ።