ዘፍጥረት 32

1 ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፡ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍዎ።

2 ያእቆብ ምስ ረአዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ እምላኽ እዩ፡ በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ መሃናይም ኣውጽኣላ።

3 ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓዉ፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።

4 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ንጐይታይ ኤሳው፡ ግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጔኹ።

5 ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላዉን ኣግራድን ኣለዉኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ኪነግር ለአኽኩ።

6 እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም፡ ናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ኪቃባበለካ ይመጽእ አሎ፡ በልዎ።

7 ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ፡

8 ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተወቕዖ፡ እቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕን፡ በለ።

9 ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡

10 እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ አሎኹ።

11 መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ፡ እፈርሆ አሎኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ።

12 ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኪቝጸር ዘይከአል፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ አሎኻ።

13 በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኡ ሐደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንኤሳው ሓዉ ገጽ በረኸት ወሰደ፡

14 ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላን፡ ክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን፡

15 ሰላሳ እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ ኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣርሓን፡ ዕስራ ኣድግን ዓስርተ ዒሉን፡

16 እዚኣተን በብመጋርያኤን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሀቦም። ንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ንመጋርያ ኣረሓሒቕኩም ቀቅድመይ ሕለፉ፡ በሎም።

17 ነቲ ቐዳማይ፡ ሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ናበይከ ትኸይድ አሎኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡

18 ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና አሎ በሉ፡ ኢሉ ኣዘዞ።

19 ከምኡ ኸኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዚኽብክቡ ዅሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ፡ ከምዚ ዘረባዚ ተዛርብዎ፡

20 ግልያኻ ያእቆብ ድማ፡ በዚ ቐቅድመይ ዚኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየ። ድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢ፡ ምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉ፡ እንሆ ደድሕሬና ኣሎ፡ በሉ።

21 በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሐለፈ። ንሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሐደረ።

22 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኽልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኣቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ።

23 ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኸኣ ኣሳገረ።

24 ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ።

25 ንሱ ኸኣ ከም ዘይከአሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያእቆብ ተቘጸ።

26 እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ አሎ እሞ፡ ሕደገኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሐድገካን እየ፡ በለ።

27 ሽዑ ንሱ፡ እንታይ እዩ ስምካ፧ በሎ። ያእቆብ፡ በለ።

28 ንሱ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሀልን፡ በሎ።

29 ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሐትት፧ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ።

30 ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና እያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል ኣውጽኣላ።

31 ንጰኒኤል ምስ ሐለፈ፡ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ።

32 ንጅማት መፋላልዮ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፈላልዮ ምሕኵልቲ ኣይበልዑን እዮም።