ዘፍጥረት 38

1 በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወ።

2 ይሁዳ ኣብኡ ጓል ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣየ፡ ወሲዱ ኸኣ ኣተዋ።

3 ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ።

4 ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ።

5 ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደት፡ ስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ።

6 ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።

7 ዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ።

8 ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝም፡ በሎ።

9 ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎ።

10 እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ።

11 ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ ወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።

12 ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበ።

13 ንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ ኣሎ ኢሎም ነገርዋ።

14 ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረኣየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራ፡ መጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።

15 ይሁዳ ምስ ረአያ፡ ገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ።

16 ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱ፡ በጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒ፧ በለቶ።

17 ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ።

18 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪ፧ በለ። ቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን፡ በለት። ሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት።

19 ተንሲኣ ኸኣ ከደት፡ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት።

20 ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ፡ ብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን።

21 ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላ፧ ኢሉ ሐተተ። ኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ በሉ።

22 ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ።

23 ይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶ፡ በለ።

24 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ።

25 ምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለት።

26 ይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎ፡ ንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስ፡ ካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን።

27 ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ።

28 ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤ፡ እታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ።

29 ኰነ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለት። ስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ።

30 ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸ። ስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ።