ዘፍጥረት 15

1 ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህ፡ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ እዩ።

2 ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለ።

3 ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይሀብካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ፡ በለ።

4 እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ።

5 ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

6 ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።

7 ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ በሎ።

8 ንሱ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፧ በሎ።

9 ንሱ ድማ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኸኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ።

10 ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቘረጾ፡ ነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን።

11 ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ።

12 ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኸኣ ናይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ።

13 ንኣብራም ድማ በሎ፡ ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዜጨንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ።

14 ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ። ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጹ እዮም።

15 ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፡ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።

16 ዓመጽ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሕጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።

17 ኰነ ድማ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ እንሆ ድማ ዚተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቘረርጽ ሐለፈ።

18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡

19 ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን፡

20 ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን፡

21 ኣሞራውያንን፡ ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ።